Skip to main content

መልእኽቲ ምድሓን – እታ ምችእቲ ጊዜ


ሃዋርያ ጳውሎስ ተኣሲሩሉ ኣብ ዝነበረ ጊዜ ሓደ  ፌሊክስ ዝበሃል በዓል ስልጣን ንጳውሎስ ጸዊዑ  ብዛዕባ እምነት ብየሱስ ክርስቶስ ሓቲትዎ።  ጳውሎስ ብናይ ጽድቅን ንጽህናን ብናይቲ ዝመጽእ  ፍርድን ምስ ነገሮ ግን ሰምቢዱ። ኣብ ክንዲ ተነሲሑ ብጎይታ ዝኣምን ከኣ “ሕጅስ መገድኻ  ኺድ፡ ብዝምችወኒ ጊዜ ኽትመጸኒ ኽልእከልካ እየ፡” ኢሉ ሰዲድዎ (ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 24 ጥቕሲ  26)። ፌሊክስ ድሕሪ ዝተወሰነ ጊዜ ፌስጦስ ብዝበሃል  በዓል ስልጣን ስለ ዝተተክአ እታ ትምችኦ ጊዜ  ምርካቡን ዘይምርካቡን መጽሓፍ ቅዱስ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይህበናን እዩ። ንፌሊክስ እታ ዝመችአት  ጊዜ እታ ረኺብዋ ዝነበረት ጊዜ እያ ኔራ። ንነፍሲ ወከፍናውን እታ ናብ ኣምላኽ ንምቕራብን ምስኡ  ዘሎና ዝምድና ንምዕራይን ዝመችአት ጊዜ ሎሚ  ወይ ሕጂ እያ። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ “ብቕብልቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ፡ ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ፡ ይብል እዩ እሞ፡ እንሆ፡ እታ  ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ፡ እንሆ፡ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ።” ካልአይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ  ናብ ሰብ ቆረንቶስ ምዕራፍ 6 ጥቕሲ 2። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ትማሊ ክንመሃር፡ ኣብ ሎሚ  ክንነብር ብዛዕባ ጽባሕ ድማ ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ክንገብር ይምህረና እዩ። ሕጂ እምበር ደሓር ወይ  ጽባሕ ናትና ኣይኮናን። ስለዚ ነቲ ክንውስኖ ዘሎና ብፍላይ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ዝምልከት ውሳኔ  ሎሚ ክንውስኖ ይግብኣና። ብዙሓት ሰባት ሰዓቢ ክርስቶስ ምዃን ካብ ጽቡቕ ነገራት ዘታርፎም መሲሉ ስለ ዝርኣዮም ልቦም እናተረትዐውን ‘ዳሕራይ የርከበሉ እየ’ ብምባል ካብ ምውሳን ይደናጎዩ እዮም። እቶም ነታ ‘ዳሕራይ’ ዝበልዋ ጊዜ ዝረኽብዋ ግን ውሑዳት እዮም። ካብ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ሎሚ ክትድሕን እናኸኣልካ ‘ዳሕራይ  የርክበሉ’ ምባል ሓደገኛ እዩ። ክቡር ኣንባቢ፡ ንስኻኸ ክንደይ ጊዜ ወንጌል ሰሚዕካ ትኸውን? ‘ደሓን፡ ዳሕራይ የርክበሉ’ እናበልካዶ ኣብ ውሳኔኻ ትደናጎይ ኣለኻ? ትምችኣካ ጊዜ ትጽበ እንተሊኻ ንሳ ከይመጸት ካብዛ ምድሪ ክትሓልፍ ከም ትኽእል ዘክር። ብድሕሪ ምፍልላይ ነፍስን ስጋን ከኣ ፍርዲ እምበር ናይ ንስሓ ዕድል የለን። ምናልባት ብዕድመ ንእሽቶን በዓል ምሉእ ጥዕናን ስለ ዝኾንካ ጊዜ ዘሎካ ይመስለካ ይህሉ ይኸውን። ግናኸ ኩሎም ናእሽቱ ክሳብ ዕድመ እርጋን ኣይጸንሑን እዮም። ኩሎም ሰብ ምሉእ ጥዕናውን ንኽሞቱ ግድን ክሓሙ ኣየድልዮምን እዩ። እምበኣርከስ ደሓር ወይ ጽባሕ ናትካ ከም ዘይኮነት ፈሊጥካ ሎሚ ናብ ጎይታ ተመለስ። ምስ ቃሉ ብምስምማዕ ሎሚ መዓልቲ ምድሓንካ ክትከውን እንተ ወሲንካ እዚ ዝስዕብ ጸሎት ጸሊ።“ጎይታ የሱስ፣ ንዓይ ንጥፉእ ክትደሊን ከተድሕንን  ስለ ዝመጻእካ አመስግነካ ኣለኹ። ክሳዕ ሎሚ ክጸንሕን ነዛ ዘለኽዋ ጊዜ ክረኽባን ካባኻ ስለ ዝኾነለይ ተመስገን። ሓጥእ ምዃነይን ንገዛእ ርእሰይ ከድሕን ከም ዘይክእልን እእመን ኣለኹ። ካብ ሓጢኣተይ ኣንጽሃኒ። ንሰይጣንን ንኹሉ ኣሰራርሓኡን እኽሕዶ ኣሎኹ። ተሪፉ ዘሎ ዕድመይ ንኽብርካ ክነብር ደግፈኒ። ስለ ምሕረትካን እሙንነትካን አመስግነካ ኣሎኹ ኣሜን።
Soursce, melikti@yahoo.com ወይ ድማ mbykce@gmail.com

መልእኽቲ ምድሓን – ጽድቂ ውህበት ኣምላኽ እዩ

ንእምነት ክርስትና ካብ ካልኦት ኣብ ዓለም ዘለዉ እምነታት ወይ ሃይማኖታት ፍሉይ ዝገብሮ ጽድቂ ውህበት ኣምላኽ ከም ዝኾነ ኣነጺሩ ምምሃሩ እዩ። ኩሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ እምነታት ንጽድቂ ከም ዓስቢ ናይ ገለ ተግባራት ጌሮም ስለ ዝምህሩሉ ጉዕዞኦም ብብዙሕ ግበርን ኣይትግበርን ዝተመልአ እዩ፡ ቅድሚ ሞትካ ከኣ ጻድቕ ምዃንካ ክትሓስብ ኣይከኣልን እዩ። ክርስትና ግን ነቲ በቲ ንሓጥኣን ዘጽድቕ ኣምላኽ ዝኣምን ሰብ እታ እምነቱ ንጽድቂ ከም ትቑጸረሉ ይነግረና (መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ምዕራፍ 4 ጥቕሲ 5)። ስለዚ ድማ ሰብ ንኽጸድቕ ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ግብሪ ምቕባል ጥራይ ስለ ዘድልዮ ጸዲቑ ክበሃል ይኽእል እዩ። እዚ ንብዙሓት ድፍረት እኳ ይመስሎም እንተኾነ ሃዋርያ ጳውሎስ ግን ንሰብ ቆረንቶስ ኣብ ዝጸሓፈሎም መልእኽቲ ዝተፈላለየ ዓይነት ሓጢኣት ዝገብሩ ሰባት ድሕሪ ምጥቃስ “ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጎይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽናን ተሓጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።” ኢሉዎም ኣሎ (መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆረንቶስ ምዕራፍ 6 ጥቕሲ 11)። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፈሎም መልእኽቲውን “ሞት ብኣበሳ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ኻብ ገዝኤ፡ እቶም ትርፊ ጸጋን ውህበት ጽድቅን እተቐበሉ ኸኣ በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ብዙሕ ኪገዝኡ እዮም።” ኢሉ ኣሎ (መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ምዕራፍ 5 ጥቕሲ 17)። ቅድሚ ሕጂ ክንሰምዖ ዝጸናሕና ትምህርትታት ካብዚ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮ ዝተፈልየ እንተደኣ ኮይኑ እቲ ዘለኣለማዊ ሓቂ እዚ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ስለ ዝኾነ ነቲ ዝጸንሓና ርድኢት በዚ ቅኑዕ ፍልጠት ክንትክኦ ይግብኣና። ጽድቂ ዝኾነ ክፍሊት ከፊልና ክንገዝኦ ስለ ዘይንኽእል እግዚኣብሄር ኣቦ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ክህበና ፈትዩ ኣሎ፡ ካባና ዝድለ ነገር እምበኣር ነዚ ውህበት እዚ ምቕባል እዩ። ክቡር ኣንባቢ፡ ብዙሓት ሰባት ጽድቂ ሰሪሕካ ተምጽኦ እምበር ብኸምኡ እትቕበሎ ውህበት ኣይመስሎምን እዩ። ንስኻኸ ጽድቂ ካብ ኣምላኽ ዝወሃብ ውህበት ምዃኑ ሰሚዕካ ትፈልጥዶ? እዚ ኣቐዲምና ዝርኤናዮ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ጽድቂ ውህበት ምዃኑ ኣነጺሩ ይዛረብ እዩ። ስለዚ ነቲ ኣምላኽ ብኸምኡ ዝሃቦ ውህበት ጽድቂ ክትቅበል ፍቓደኛ እንተ ኾይንካ እዚ ዝስዕብ ጸሎት ጸሊ። “ቅዱስ ኣቦ፣ ጽድቂ ካባኻ ዝወሃብ ውህበት እምበር ሰብ ሰሪሑ ዘምጽኦ ነገር ከም ዘይኮነ ኣብ ቃልካ ብግልጺ ስለ ዘቐመጥካዮ አመስግነካ ኣለኹ። ብኣኻ በቲ ንሓጥእ እተጽድቕ ኣምላኽ እኣምን ኣለኹ። የሱስ ክርስቶስ ስለ ሓጢኣተይ ኣብ መስቀል ከም ዝሞተ ከምኡውን ካብ ምውታት ከም ዝተንስአ እኣምን ኣለኹ። ኩሉ ሓጢኣተይ እእመን ኣለኹ። ካብ ኩሉ ሓጢኣተይ ብደም የሱስ ሕጸበንን ኣንጽሃኒን። ጎይታ የሱስ፡ ንኣኻ ጎይታይን መድሓንየይን ጌረ እቕበለካ ኣሎኹ። ከም ምኽሪ ሰይጣንን ዓለምን ዝነበርኩዎ ዘመን የብቅዕ። ንሰይጣንን ንኩሉ ኣሰራርሓኡን እኽሕዶ ኣለኹ። ዝተረፈ ዘመን ህይወተይ ንክብርኻ ክነብር ደግፈኒ። ስለ ምሕረትካን እሙንነትካን አመስግነካ ኣለኹ። ኣሜን!” Source, melikti@yahoo.com ወይ ድማ mbykce@gmail.com