ንመጻኢ፡ ብእምነት ኣብ ኣምላኽ ግጠሞ April 27, 2024April 27, 2024 robel647 Main Category ብ ዳብሊው ሲ ሙር (1890 – 1980) “ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ” (ማቴ 24፡12)። ሕጂ ኣበሳ ምብዛሑን ፍቕሪ ብዙሓት ሰብ ዝሑል ምዃኑን፡ ኣብ መንጎ እቶም ፍቕሮም ናብ ብሩኽ ጐይታና ዝዘሓለ “ብዙሓት” ክንከውን ኣሎና ማለት ኣይኮነን! እንታይ ደኣ፡ ሙ ንእግዚኣብሔር ሒዝና፡ ነገራት ክሳብ ክንደይ ጸልማት ይመስሉ ብዘየገድስ፡ እምነትና ኣብ ኣምላኽ ክንቅጽልን ኣለና። እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ (2ጢሞ 3፡1-17) ዝተዘረበሉ ሓደገኛ እዋን፡ ንድሕሪት ክንምለስ ዝጽውዕ ጻውዒት እዩ። እዚ ሎሚ ዘጋጥመና ዘሎ ናይ ራዕድን ሓደጋን መዓልታት፡ ንዓና ናይ ዕድል መዓልታት እዩ። እግዚኣብሄር፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ምስክር ክንከውን ይጽውዓና (ግብ 1፡8)። ኢየሱስ “ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብሪኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” (ማቴ 5፡16) ይብል። ምእንቲ እዚ ዝፈርሐን ዝተበሳጨወን ህዝቢ ናብ ፈጣሪ ክምለስ፡ ብርሃን ፍቕሪ ኣምላኽ (ናይቲ ዘድሓነና ዓቢ ድሕነትን፡ ብርሃን ናይቲ ንፈትዎን እንኣምኖን፡ ጎይታ ዘይንቕነቕ ተወፋይነትን) ይድመቕ! ኣብ ተኣማንነት ኣምላኽ፡ ብምሉእ ምጽጋዕ ኣብዛ ዝጸልመተት ሰዓት፡ ንኹሉ ጸገማት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ተኣማንነት ኣምላኽ ተጸጊዕካ ግጠሞ። ዝኾነ ኩነታት፡ ዝኾነ ከቢድ ዝመስል፡ ጸልማትን ሓደገኛን ኩነታት፡ ንኣምላኽ ከቢድ ኣይኮነን። ኩሉ ነገር ይፈልጥ እዩ። ንሱ ድማ ይሓልየልና እዩ (1ጴጥ 5፡7፤ 1ዮሃ 3፡20)። ንኣምላኽ ዝኸብዶ ነገር የለን (ኤር 32፡17)። ምስ ኣምላኽ ኩሉ ይከኣል እዩ (ማቴ 19፡26)። ኣብ ክንዲ ንከቢድ ኩነታት፡ ዝተሓላለኸ ዕንቅፋታት፡ ተሪር ዕንቅፋታት፡ ሓዘን ዝመልኦ ፈተናታት፡ ብፍርሕን ምንቅጥቃጥን ምግጣም፡ ተሓጐስ። እግዚኣብሄር ካብ ድምር ውጺኢት ኩሉ ነገር ዝዓቢ እዩ፣ የፍቅረናን ኩሉ ግዜ ክንውከሎን ክንእዘዞን ይምነ። ኣምላኽ ካብ ዝኾነ ከፍርሓካ ዝኽእል ቅልውላው ይዓቢ። እግዚኣብሔር ከም ዝገደፈና፡ ሓይሉን ጥበቡን ከም ዝሰኣነ፡ እሙን ፈጣሪና ከም ዘይኰነን ብፍርሒ ዝመልኦ ኣተሓሳስባ፡ ኣእምሮ ወይ ልቢ፡ ንከቢድ ኩነታት ፈጺምካ ኣይትግጠም። ንሱ ብፍቕሩ፣ ድሮ ነቲ ሓደ ወዱ ብምሃብ ርህራሄኡ ኣርእዩናን ገሊጹልናን ኣሎ (1ጴጥ 4፡12-19፣ ሮሜ 8፡26-39)። ንኣምላኽ፡ ተኣማንነቱን ልዕለ ባህርያዊ ሓይሉን ዝያዳ ንኽገልጽ ዕድል ስለ ዝህቦ፡ ንኸበድቲ ነገራት ብሃንቀውታ ንግጠም። ሃሌሉያ! “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ።” (ፊል 4፡6) ብቅንዕና ንንበር ወትሩ ሓገዝ እግዚኣብሔር ምእንቲ ክህልወና፡ ከም ፍቓዱ ንነብር ምህላውናን፡ ብመሰረት ቃሉ፡ ኣብ ሓጢኣት ከም ዘይንነብርን፥ ንኣብነት፡ ሃናጺ ዘይኮነ ነቐፌታ ንኻልኦት ክርስትያናት፡ ብሸለልትነት፡ ብነብሰ ምትላል፡ ብተንኮል፡ ብጽልኢ ንኻልኦት ሰባት፡ ግቡእና ሸለል ብምባል፡ ወይ ብኻልእ ገለ ሓጢኣት ወይ እናተረድእና ብዘይምእዛዝን ንኣምላኽ ኣብ ቃሉ ብዘይምእማንን ከም ዘይኣሕዘንናዮ ነረጋግጽ። “ኣቱም ፍቁራተይ፡ ልብና እንተ ዘይነቐፈና፡ ኣብ ኣምላኽ ትብዓት ኣሎና። ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና፡ ነቲ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና።” (1ዮሃ 3፡21-22) ቃል ኣምላኽ ተመገብ። “…ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ኵሉ ቃል ደኣ እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” (ማቴ 4፡4)። ነፍስና ልክዕ ከም ኣካላትና መግቢ ከም ዘድልያ ተገንዘብ። ፍቓዱ ምእንቲ ክትፈልጥን፡ ፍቓዱ ክትገብር ድማ ክትሕይልን፡ ንንባብን ንቓል ኣምላኽ ንምስትንታንን ግዜ ውሰድ። ኣብ ጸልማት ብኣምላኽ ተኣማመን ኣብርሃም ይስሃቅ ክውለድ ንዓመታት ብእምነት ተጸበየ። ስለዚ መልሲ ጸሎት ክድንጉይ ይኽእል እኳ እንተኾነ፡ እምነትና ምቕጻል ክንመሃር ከድልየና ይኽእል እዩ። ኣብ ጸልማት ንኣምላኽ ምውካል ክንመሃር ከድልየና ይኽእል እዩ። “ካባኻትኩምሲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ፡ ንድምጺ ባርያኡ’ውን ዚሰምዕ መን እዩ፧ እቲ ብጸልማት ዚመላለስ ብርሃን ከኣ ዚስእን፡ ኣብ ስም እግዚኣብሄር ይወከል፡ ኣብ ኣምላኹውን ይጸጋዕ።” (ኢሳ 50፡10)። ዳዊት ወትሩ ኣብ በረኽቲ (ከረን) ድዩ ነይሩ፧ ጳውሎስ ወትሩ ካብ ምድሪ ጸበባን ጭንቀትን ወጻኢ ድዩ ኔሩ፧ (2ቆሮንቶስ 11፡23-33፤ 12፡1-10፣ ፊልጲ 4፡13 ኣንብብ)። ኣምላኽ ክንፍተን እንተ ዘይኣፍቒዱ፡ ንሕና ባዕልና ከመይ ጌርና ሓቀኛ ዕምቆት ናይ ገዛእ ርእስና ፍቕሪ ንኣምላኽን፡ ናይቲ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪን ክንፈልጥ ንኽእል፧ ኣብ ሮሜ 8፡28 ዘሎ “ኵሉ ነገር” ዝብል ሓሳብ ንዘክር፥ “ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩ’ውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።” ኣብ ልብና፡ ልክዕ ከም ቖልዓ፡ ኣብ ኣምላኽ እምነት ምስ ዝህልወና፡ ልቢ ኣምላኽ ጥሕጎስ። ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት “እምነት ክህልወካ ኣዝዩ ከቢድ እዩ።” ኢለ ይሓስብ ኔረ። ብኡብኡ ጐይታ ንልበይ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ “ክትኣምን ኣየጸግምን እዩ። ቆልዓ’ውን ከይተረፈ ክኣምን ይኽእል እዩ። ንኽትኣምን ክትሓስብ ኣየድልየካን እዩ።” ኣብ እዘን ዝሓለፋ ዓመታት ከኣ፡ እዚ ንዓይ መተባብዕን ምጽንናዕን ኮነኒ። “ብምሉእ ልብኻ ኣብ እግዚኣብሄር ተወከል። ናብ ኣእምሮኻ ኣይትጸጋዕ” (ምሳ 3፡5)። ነዚ ቃል ተኣዚዝና፡ ብሙሉእ ልብና ኣብ ጎይታ ክንውከል ከለና፡ ዝጭነቕ ወይ ዝፈርሕ ልቢ ኣይህልወናን። ናብ ርድኢትና “ክንጽጋዕ” የብልናን። ንምጥርጣርን ንፍርሕን ቦታ ኣይትሃብ! ንዲያብሎስ ተቓወሞ። ቦታ ኣይትሃቦ (ያእ 4፡7-8፣ ኤፌ 4፡27)። ኣብ ልዕሊ ህቦብላ፡ ቀስተ ደመና ርአ ኣምላኽ ናይ ተኣምራት ኣምላኽ እዩ። መገድታቱ መገድና ኣይኮነትን (ኢሳ 55፡8-13)። እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝኣተዎ መብጽዓ ብሓቂ ክፍጸም ነይሩዎ፣ ወድን ወራሲን ክወልድ ነይርዎ፣ ይስሃቅ ግን ኣብርሃም ምስ ሸምገለ እዩ ተወሊዱ (ዕብ 11፡8-12)። ጐይታ፡ እቲ ተኣምራት ዝገብር ወዲ ኣምላኽ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሸፋቱ ምስ ተሰቕለ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ፋሕ ምስ በሉ፥ ዝተሳዕረን ኩነታት ዝጸልመተን ይመስል ነበረ። እንተኾነ ድሕሪ ሓምሳ መዓልቲ ኣቢሉ እቲ ዓቢ ተሃድሶ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ተፈንጀረ! ሎሚ ኣብ ሓደ ካብ ዝጸልመተ ሰዓታት ምድሪ ንነብር እኳ እንተለና፡ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ናብ ሞገሱ ቅድሚ ምምላሱ ካልእ ሓያል በዓለ ጴንጠቆስጠ ክሰድድን ካብ ኣህዛብ ብዙሓት ከም ዘድሕንን ንእመን (ሮሜ 11፡1-32)። ገጸና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንምለስ (ዳን 9፡3)፡ ንኣምላኽ ክንሕዞ ንንቓሕ (ኢሳ 64፡7)፡ ኣምላኽ መጺኡ ጽድቂ ክሳዕ ዘዝንበልና ድማ ንጸሊ (ሆሴ 10፡12)። Share this:Click to share on Twitter (Opens in new window)Click to share on Facebook (Opens in new window) Related