ንኣምላኽ ኩሉ ነገር ይከኣሎ እዩ May 11, 2024May 11, 2024 robel647 Main Category ብብራድ ቱትል ሓደ ካብ’ቲ ጸሎት ዘድልየና ምኽንያት፡ ብሰብ ጥራይ ዘይከኣል ስለ ዝኾነ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ህጻናት (ዝተወልዱን ዘይተወልዱን) ክጽሊ ከቢድ ጾር ተሰኪመ ተበራበርኩ። ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ጾታዊ ርክብ፡ ትራንስጀንደርን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ንህጻናት ዝምሃር ዘሎ ሓሶትን፡ ዝያዳ ብዘማለድኩሉ መጠን ድማ እቲ ጾር እናኸበደ መጸ። ልዕሊ ዓቕመይ ድማ ኾነ፣ ሽዑ ግን እቲ ጥዑምን ኣዝዩ ዘድልን ድምጺ ጐይታ ከምዚ ክብለኒ ሰማዕኩ፥ “ንሰብ እዚ ዘይከኣል እዩ፤ ንኣምላኽ ግና ኩሉ ይከኣሎ እዩ” (ማቴ 19፡26፤ ማር 10፡27፡ ሉቃ 18፡27 ርአ)። “ንኣምላኽ ግን ኩሉ ይከኣሎ እዩ”፡ ብቕጽበት ብልበይ ብሓጐስ ሰሓቕኩ፣ እታ ሓንቲ ሓረግ ንኹሉ ኣብ ልበይን ኣእምሮይን መንፈሰይን ቀልጢፋ ቐየረቶ። ቀልጢፈ ካብቲ ዘሕዝን “እዚ ዘስካሕክሕ እዩ፣ እዚ ዘይከኣል እዩ” ዝብል ሓሳብ፡ ናብ “ምስ ኣምላኽ ግን ዋላ ሓንቲ፣ ፍጹም ዋላ ሓንቲ፣ ዘይከኣል የለን!” ዝብል ሓሳብ ከድኩ። ኣብ ካልኣይ ነገስት 3፡4-18፥ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ምስ ሞኣብ ክዋግኡ ዝሓሰቡሉ እዋን፡ ዘተባብዕ ታሪኽ ንረክብ። ግን፡ ናብ’ቲ ኩናት ኣብ ዝኸዱሉ እዋን፡ ብዘይ ማይ ሸውዓተ መዓልቲ ተጓዓዙ። ብድሕሪኡ ንኤልሳእ ነብዪ ደለዩ፡ ካብ እግዚኣብሄር ደማ ቃል ተዋህቦም። “…ንፋስ ኣይክትርእዩን፡ ዝናም’ውን ኣይክትርእዩን ኢኹም፤ እቲ ርባ ግና ብማይ ክመልእ እዩ…” (ቁ. 17)። ደሓር ከኣ “እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቀሊል እዩ እሞ፡ ንሞኣብ’ውን ኣሕሊፉ ኣብ ኢድኩም ኪህበኩም እዩ።” (ቍ. 18)። ኩሉ ግዜ “እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቀሊል እዩ” ዝብል ሓሳብ ንዘክር። ኣብ ዘፍጥረት 18፡12፥ ሳራ ካብ ናይ ምውላድ ዕድመ ምስ ሓለፈት፡ ወዲ ክትወልድ ምዃና ብጎይታ ምስ ተነግራ፡ ሰሓቐት። ብድሕሪኡ “ንእግዚኣብሄርዶ ዚጨንቆ ነገር ኣለዎ፧” ተባሂላ ተገንሐት (ቁ. 14)። እዮብ 42፡2 ሓሳብን መደብን እግዚኣብሄር ክፈሽል ከም ዘይክእል የረጋግጸልና። ኤርምያስ 32፡27 “ሽዑ፡ እንሆ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኲሉ ስጋ ዝለበሰ እየ፡ ንኣይ ዘይከኣለኒ ነገርዶ ኣሎ እዩ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ።” ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ንኣውጃ! ኣዝዩ ተስፋ ዝህብን ልቢ ዝትንክፍን ታሪኽ ኣብ ሉቃስ 1፡26-38 ይርከብ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንድንግል ማርያም ወዲ ከም እትወልድ ዝሓበረላ። ማርያም፡ ድንግል ስለ ዝነበረት እዚ ብኸመይ ከም ዝከኣል ሓተተቶ። እቲ መልኣኽ ድማ “ንኣምላኽ ዘይከኣል ነገር የልቦን” (ቍ. 37) ኢሉ ኣወጀ። ኣብ “ዘይከኣል” ዝመስል ኩነታት፡ መልስና ኩሉ ግዜ ከም ናይ ማርያም ይኹን፡ “ከም ቃልካ ይኹነለይ” (ቁ. 38)። ነመስግነካ ኢየሱስ ኩሉ ግዜ ኣብ ግዚኡ ቃል ስለ ትህበና። ተስፋና ኣብ ሰብ ኣይኮነን፣ ወይ ኣብ ስርዓት ዓለም ኣይኮነን፣ ተስፋና ኣባኻ ጥራይ’ዩ። ተስፋ ተሰኣንና፡ ተስፋ ተቆረጽና፡ ዝተሳዕርና ኮይኑ ኣብ ዝስምዓና እዋን፡ ርእስና ኣልዒልና ከም’ዚ ኢልና ንኣውጅ፡ “ምስ ኣምላኽ ግን፡ ኩሉ ይከኣል እዩ!” ብቃል ኣምላኽ፡ ብቃል ተስፋን እምነትን፡ ልብናን ኣእምሮናን ይምላእን፡ ንሓሶት ጸላኢና የፍሽልን! ዘጋጠመና ብዘየገድስ፡ “ምስ ኣምላኽ ግና ኵሉ ይከኣል እዩ” ኢልና ንነብስና ነዘኻኽራ። Share this:Click to share on Twitter (Opens in new window)Click to share on Facebook (Opens in new window) Related