Skip to main content

መልእኽቲ ምድሓን – እታ ምችእቲ ጊዜ


ሃዋርያ ጳውሎስ ተኣሲሩሉ ኣብ ዝነበረ ጊዜ ሓደ  ፌሊክስ ዝበሃል በዓል ስልጣን ንጳውሎስ ጸዊዑ  ብዛዕባ እምነት ብየሱስ ክርስቶስ ሓቲትዎ።  ጳውሎስ ብናይ ጽድቅን ንጽህናን ብናይቲ ዝመጽእ  ፍርድን ምስ ነገሮ ግን ሰምቢዱ። ኣብ ክንዲ ተነሲሑ ብጎይታ ዝኣምን ከኣ “ሕጅስ መገድኻ  ኺድ፡ ብዝምችወኒ ጊዜ ኽትመጸኒ ኽልእከልካ እየ፡” ኢሉ ሰዲድዎ (ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 24 ጥቕሲ  26)። ፌሊክስ ድሕሪ ዝተወሰነ ጊዜ ፌስጦስ ብዝበሃል  በዓል ስልጣን ስለ ዝተተክአ እታ ትምችኦ ጊዜ  ምርካቡን ዘይምርካቡን መጽሓፍ ቅዱስ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይህበናን እዩ። ንፌሊክስ እታ ዝመችአት  ጊዜ እታ ረኺብዋ ዝነበረት ጊዜ እያ ኔራ። ንነፍሲ ወከፍናውን እታ ናብ ኣምላኽ ንምቕራብን ምስኡ  ዘሎና ዝምድና ንምዕራይን ዝመችአት ጊዜ ሎሚ  ወይ ሕጂ እያ። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ “ብቕብልቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ፡ ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ፡ ይብል እዩ እሞ፡ እንሆ፡ እታ  ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ፡ እንሆ፡ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ።” ካልአይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ  ናብ ሰብ ቆረንቶስ ምዕራፍ 6 ጥቕሲ 2። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ትማሊ ክንመሃር፡ ኣብ ሎሚ  ክንነብር ብዛዕባ ጽባሕ ድማ ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ክንገብር ይምህረና እዩ። ሕጂ እምበር ደሓር ወይ  ጽባሕ ናትና ኣይኮናን። ስለዚ ነቲ ክንውስኖ ዘሎና ብፍላይ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ዝምልከት ውሳኔ  ሎሚ ክንውስኖ ይግብኣና። ብዙሓት ሰባት ሰዓቢ ክርስቶስ ምዃን ካብ ጽቡቕ ነገራት ዘታርፎም መሲሉ ስለ ዝርኣዮም ልቦም እናተረትዐውን ‘ዳሕራይ የርከበሉ እየ’ ብምባል ካብ ምውሳን ይደናጎዩ እዮም። እቶም ነታ ‘ዳሕራይ’ ዝበልዋ ጊዜ ዝረኽብዋ ግን ውሑዳት እዮም። ካብ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ሎሚ ክትድሕን እናኸኣልካ ‘ዳሕራይ  የርክበሉ’ ምባል ሓደገኛ እዩ። ክቡር ኣንባቢ፡ ንስኻኸ ክንደይ ጊዜ ወንጌል ሰሚዕካ ትኸውን? ‘ደሓን፡ ዳሕራይ የርክበሉ’ እናበልካዶ ኣብ ውሳኔኻ ትደናጎይ ኣለኻ? ትምችኣካ ጊዜ ትጽበ እንተሊኻ ንሳ ከይመጸት ካብዛ ምድሪ ክትሓልፍ ከም ትኽእል ዘክር። ብድሕሪ ምፍልላይ ነፍስን ስጋን ከኣ ፍርዲ እምበር ናይ ንስሓ ዕድል የለን። ምናልባት ብዕድመ ንእሽቶን በዓል ምሉእ ጥዕናን ስለ ዝኾንካ ጊዜ ዘሎካ ይመስለካ ይህሉ ይኸውን። ግናኸ ኩሎም ናእሽቱ ክሳብ ዕድመ እርጋን ኣይጸንሑን እዮም። ኩሎም ሰብ ምሉእ ጥዕናውን ንኽሞቱ ግድን ክሓሙ ኣየድልዮምን እዩ። እምበኣርከስ ደሓር ወይ ጽባሕ ናትካ ከም ዘይኮነት ፈሊጥካ ሎሚ ናብ ጎይታ ተመለስ። ምስ ቃሉ ብምስምማዕ ሎሚ መዓልቲ ምድሓንካ ክትከውን እንተ ወሲንካ እዚ ዝስዕብ ጸሎት ጸሊ።“ጎይታ የሱስ፣ ንዓይ ንጥፉእ ክትደሊን ከተድሕንን  ስለ ዝመጻእካ አመስግነካ ኣለኹ። ክሳዕ ሎሚ ክጸንሕን ነዛ ዘለኽዋ ጊዜ ክረኽባን ካባኻ ስለ ዝኾነለይ ተመስገን። ሓጥእ ምዃነይን ንገዛእ ርእሰይ ከድሕን ከም ዘይክእልን እእመን ኣለኹ። ካብ ሓጢኣተይ ኣንጽሃኒ። ንሰይጣንን ንኹሉ ኣሰራርሓኡን እኽሕዶ ኣሎኹ። ተሪፉ ዘሎ ዕድመይ ንኽብርካ ክነብር ደግፈኒ። ስለ ምሕረትካን እሙንነትካን አመስግነካ ኣሎኹ ኣሜን።
Soursce, melikti@yahoo.com ወይ ድማ mbykce@gmail.com